ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ይህብ‘ሎ

Military personnel and civilians wait in a parking lot outside the Fort Hood military base for updates about the shooting that occurred inside, April 2, 2014.

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ገንዘባዊ ዓቕሚ ንዝዋሓዶም መናኣሰይ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ዝረኽብሉ ኩነታት ብምትእልላሽ ክማሃሩ ይገብር’ሎ፡፡ ዛጊድ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ናይ ውልቀ ኮሌጃትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ልዕሊ 2000 ተምሃሮ ብዲፕሎማን ዲግርን ካልኣይ ዲግሪን ተማሂሮም ኣለዉ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብርሃ ገብረዋህድ እቲ መደብ ካብ 2000 ዓም ክሻብ ሎምዘበን 2005 ይካየድ ምህላዉ ይገልጽ፡፡ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ዓመታዊ 10 ተምሃራይ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ተቐቢሉ የምህር፡፡ ኣብ መቐለ ዝርከባ ብሰብ ሃፍቲ ዝተጣየሻ ኮሌጃት እውን ዛጊድ ን1500 ተምሃሮ ፍርቂ ዋጋ ከየኽፈላ መናእሰይ ንኽማሃሩ ከምዝሓዛ ኣብርሃ ይዛረብ፡፡ እቲ ማሕበር ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝነበሮ ርክብ ትካላዊ መልክዕ ምእንታን ክሕዝ ንሓሙሽተ ዓማውቲ ዝጸንሕ ሓበራዊ መስርሕ ምርድዳእ ተፈራሪሙ’ሎ፡፡ ብመሰረት ውዕል እቲ ዩኒቨርሲቲ ዓመታዊ 8 ተምሃሮ ብቐዳማይ ዲግሪ ብድማር 40 ከምኡ’ውን 25 ተምሃሮ ብካልኣይ ዲግሪ ብድማር ን65 መናእሰይ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ክህብ እዩ፡፡

ካብቶም ነቲ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም ዝማሃሩ ዘለዉ በረከት ሓየሎም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብ Sociology ከምኡ’ውን እቴነሽ ተኽለሃይማኖት ኣብ ኮሌጅ ማይክሮሊንክ ብ Management Information Science ብዲግሪ መደብ ትመህርቲ ይማሃሩ ምህላዎም ገሊጾም፡፡ ኪሮስ ጸጋይ ብወገኑ ተጠቃሚ እቲ ዕድል ብምዃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብ Journalism and Mass Communication ሰልጢኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዓለም ይርከብ፡፡ ኩሎም ገንዘባዊ ዓቕሚ ዝዋሓዶምን ቤተሰቦም እውን ቁጠባዊ ዓቕሞም ዝደኸመን ምስ ምዃኑ እቲ ማሕበር ነቲ ዕድል ናጻ ትምህርቲ ተዘይህቦም እናሰርሑ ንስድረኦም ሓጊዞም ትምህርታዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ከምዘይኽእሉ ገሊጾምለይ፡፡

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ 460 ሽሕ ኣባላት ዝሓቖፈ ማሕበር እዩ፡፡

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ