ክብሮም ሓጐስ -- ምህዞ ንመፍትሒ ሽግራት

Your browser doesn’t support HTML5

ክብሮም ሓጐስ -- ምህዞ ንመፍትሒ ሽግራት

ኣብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣከባቢ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘይነበረ፡ ክሳብ ክልተ ሰዓታት ተጓዒዙ ትምህርቱ ዝከታተል ዝነበረ ክብሮም ሓጐስ፡ ጸኒሑ ትምህርቱ ከቋርጽ ተገዲዱ’ዩ። እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝዕዘቦ ሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ንምስጋር ኣብ ምህዞ ክነጥፍ ጀሚሩ። ካብ መንጎ’ቲ ምህዞታቱ ድማ ብሓመድን ካልእ መስመራትን ገይሩ ዝሰርሕ ረድዮ ትርከበን።