ስድራቤታት ምሕጽንታ የቕርቡ፡ ሰማዒ ግን ኣይረኸብናን ይብሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ስድራቤታት ምሕጽንታ የቕርቡ፡ ሰማዒ ግን ኣይረኸብናን ይብሉ

ብሕልፊ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ዘቤታዊ ቅትለትን መጭወቲን ደቀንስትዮ ኣብቲ ክልል በዚሑ ከም ዘሎ ስድራቤታትን ኣብቲ ጉዳይ ዝሕለቑ ኣካላትን ይዛረቡ። ነዚ ዘእንግድ ዘተን ናይ ሓባር ጻውዒት ዘቕርብን መድረኽ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተሰናዲኡ ነይሩ። ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት መሓዉራቱ ስለ ዝፈረሰ ቅጽበታዊ መፍትሒ ንምሃብ ከም ዝተጸገመ ይገልጽ።