ኣመራርሓ ህወሓት ንሓይልታት ጸጥታ'ቲ ክልል ብዝምልከት ዝሓለፈ ውሳነ ካቢነ ተቓዊሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ህወሓት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክኾኑ ኣይግባእን ክብሉ ንውሳነ ካብኔ እቲ ምምሕዳር ተቓዊሞም። ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኣፈላላይ ከምዘሎ ንምርኣይ ዝተገለፀ ድማ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ'ቲ መግለጺ፣ ህወሓት ብምድሓን ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝፅዕር ውድብን ኣብ ከይዲ ካብ ቃልሲ ወፂኡ ነቲ ውድብን ሰራዊትን ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ እዩ እቲ ኣፈላላይ ኢሉ።