ክልል ትግራይ፤ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝኸፈታሉ ወፈራ ጽሬት ይግበር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረሉ፡ መብዛሕትኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓንዩን መዓስከራት ኰይኑ ብምጽናሑ፡ ንምምዕርራዩ ፈተሻ ይግበር ኣሎ። ሓያሎ ካብቶም ኣብያተ-ትምህርቲ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ የዕቑቦም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኣብ ገሊኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ተተኰስቲ ወዲቑ ብምጽናሑ፡ እቲ ናይ ፈተሻ ስራሕ ነዚ ንምጽፋፍ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገሊጹ።