“ንምትግባሩ ዝደንጎየ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንድሕሪት ከይምለስ...”

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ቀረባ እዋን ዝርአ ዘሎ ሓድሕድ ምጥቕቓን ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንድሕሪት መሊሱ ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺ ከየመርሕ ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ፖለቲካውያን ውድባት የጠንቅቑ ኣለዉ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ’ውን እቲ ዝርአ ዘሎ ስእነት ምትእምማን ነቲ ዝደንጎየ ትግባረ ስምምዕ ንድሕሪት ከይመልስ ይሰግኡ።