ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ መሃያኦም ከምዘይተኸፍሎም ይገልጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ መሃያኦም ከምዘይተኸፍሎም ይገልጹ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝነብሩ ልዕሊ 300 ሰራሕተኛታት ፌደራል መንግስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ማሃያ ኣይተኸፈልናን ኢሎም ከማርሩ ምጽንሖም ይዝከር። ሰራሕተኛታት ኢምግረሽንን ዜግነትን፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽዎ "ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ’ውን እንተኾነ ማሃያና ኣይኽፈለናን ዘሎ" ይብሉ። ወሃቢ ቃል ኢምግረሽንን ዜግነትን ማስተዋል ገዳ ብወገና "እቶም ጥርዓን ዘቅርቡ ሰራሕተኛታት፣ ማሃያኦም ክረኽቡ’ዮም" ኢላ'ላ።