ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ጉዳይ ጥሜት ኣይሰማምዑን

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ጉዳይ ጥሜት ኣይሰማምዑን

ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ንዘሎ ዝበሎ ጥሜት መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ተራኦም ክጻወቱ ጸዊዑ። ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ምስቲ በቲ ክልል ዝተዋህበ መግለጺ ኣይሰማምዕን። እኳ ደኣ ነቲ ጥሜት ኣብ ክንዲ ምፍዋስ፡ መራሕቲ ክልል ኣብ ነዊሕ ኣኼባ ምጽማዶም ይገልጽ።