“85% ምርኽኻብ ብረት ክልል ትግራይ ተፈጺሙ፡” ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ
Your browser doesn’t support HTML5
ብተዓዛብነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመዘዞ ተዓዛቢ ጕጅለ፡ ሓይልታት ትግራይ ተዓጢቖምዎ ዝነበሩ ማእከሎት መሳርሒ ኲናት፡ ሎሚ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተረኪቡ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተዋጋእቲ፡ ወታሃደራዊ ኣወዳድባኦም ምፍራስ ጀሚሩ ኣሎ። ምስቲ ዝቐደመ ምርኽኻብ ከበድቲ ብረታት፡ ሕጂ 85% ምርኽኻብ ብረት ተኻይዱ ከም ዘሎ መራሒ እቲ ተዓዛቢ ጕጅለ ሓቢሩ'ሎ።