ንምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ትግራይ ተኻዪዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ በበይኑ ከተማታት ክልል ትግራይ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ተተግቢሩ ተመዛበልቲ ናብ ቦታታቶም ክምለሱን ኣቋሪጹ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ክቕጽልን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ። ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ዘሎ ትጽቢት ደቀንስትዮ ምዃነን ዘመልከታ ኣካየድቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ስምዕተአን፡ እቲ ዘሎ ሽግር ንማሕብረ-ሰብ ዓለም ንምብጻሕ ምዃኑ ሓቢረን።