መብርሂ - ዘይምዕሩይ ክፍሊት ደሞዝ ሰራሕተኛታት ትግራይ ስለምንታይ?
Your browser doesn’t support HTML5
ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ስራሑ ካብ ዝርከብ፡ ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘይምዕሩይነት ከም ዝርአ ሰራሕተኛታት ብተደጋጋሚ ከማርሩ ይስምዑ’ዮም።
ጉዳይ ጥሮተኛታት’ውን ካብቲ ካልእ ንሓያሎ ዘዛርብ ዛዕባ’ዩ። ነዚን ኣብ እዋን ኲናት ብዛዕባ ዘይተኸፍለ ደሞዝና ኣመልኪትና ንሓላፊት ቢሮ ምትእኽካብ ሃብቲን ፋይናንስን ግዜዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣዘራሪብናያ ኣሎና።