3 ውድባት ትግራይ ኣብ መስርሕ ምቛም ቤት ምኽሪ ተቓውሞኦም ገሊፆም

Your browser doesn’t support HTML5

ካቢኔ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንስራሕ እቲ ምምሕዳር ዝቆፃፀርን ዝከታተልን ኣማኻሪ ካውንስል ንምቛም ደንቢ ኣፅዲቑ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝነጥፉ ሰለስተ ውድባት ዓረና ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነንን ዓሲምባን ግን እቲ ኣብ ደምቢ ሓሊፉ ዘሎን ኣቐዲሙ ዝተኣመመ ቤት ምኽሪን በበይኑ’ዩ ብምባል ተቓውሞኦም ይገልጹ። እቶም ሰለስተ ውድባት ሎሚ ኣብ መቐለ ኣብዚ ጉዳይ ዝጠመተ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም።