ክልል ትግራይ -- ምስ ምምጻእ ክራማት፡ ተመዛበልቲ ናይ ምምላሶም ሕቶ መሊሱ የሻቕሎም

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ በበይኑ ወገናት ክልል ትግራይ፡ ምስ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ብግዜያዊ ምምሕዳር ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዝነበርዎ ናይ ምምላስ ተስፋ ኣብ እዋኑ ብዘይ ምፍጻሙ ሎሚ’ውን ንተወሳኺ እዋን ማሕረስ ከይከስሩ ስግኣቶም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቲ ምኽንያት ብመሰረት ስምምዕ ተጻብኦታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ በቲ ዝተቐመጦ ናይ ግዜ ስለ ሰሌዳ ስለ ዘይከደ’ዩ።