መቐለ —
ሎሚ ሓሙስ 29 የካቲት 2024 ኣብ ከተማ መቐለ "ናይ 18 ኣዋርሕ ኣበል ጡረታ ይከፈልና" ብምባል ብጡረታ ዝመሓደሩ ነበርቲ ሰልፊ አካይዶም።
ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰልፊ ዝወፁ ጡረተኛታት ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ሰልፊ ከካይዱ እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንኻልኣይ ጊዜ እዩ።
ኤጀንሲ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሪጂን ሰሜን፤ ሕቶ እቶም ጡረተኛታት ቅቡል እዩ ብምባል ምላሽ ንክረክብ ምስ ፌደራል መንግስቲን ምምሕዳር እቲ ክልልን ይዝተየሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።