ጥሮተኛታት ክልል ትግራይ ንኻልኣይ እዋን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ሎሚ ሓሙስ 29 የካቲት 2024 ኣብ ከተማ መቐለ "ናይ 18 ኣዋርሕ ኣበል ጡረታ ይከፈልና" ብምባል ብጡረታ  ዝመሓደሩ ነበርቲ ሰልፊ አካይዶም።    ኤጀንሲ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት መንግስቲ  ሪጂን ሰሜን፤ ሕቶ እቶም   ጡረተኛታት ቅቡል እዩ ብምባል ምላሽ ንክረክብ ምስ  ፌደራል መንግስቲን ምምሕዳር እቲ   ክልልን ይዝተየሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።