ገዳም ኣቡነ ይማእታ-ትግራይ

Your browser doesn’t support HTML5

ገዳም ኣቡነ ይማእታ ሓደ ካብቶም ካብ ከውሒ ተነዲሎም ዝተሃነፁን ኣብ ትግራይ ዝርከቡን ልዕሊ 120 ገዳማት እዩ፤ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዝተነፀፈ ጐልጐል ምስ ወዳእኻ እምባ ሓዅርካ ኣብ መፃድፍ ይርከብ። ኣብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ እምባታት ገረዓልታ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘበን ዝተገደመን ካብ ከውሒ ተነዲሉ ዝተሃነፀን ገዳም 22 ኣዕኑድ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ገዳም ብርክት ዝበሉ ንዋየ ቅድሳን ኣለዉ።