ኣኼባ ካድረታት ህወሓት ንኻልእ ጊዜ ይሰጋገር፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ዝያዳ ምስትውዓል ክግበር ይጽውዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣኼባ ካድረታት ህወሓት ንካልእ ጊዜ ይሰጋገር፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ዝያዳ ምስውዓል ክግበር ይጽውዕ

ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንከይካየድ ዝበሎ ኣኼባ ህወሓት ቀንዲ ዛዕባ ኣኼብኦም ንድሕሪ ክልተ ሰሙን ከካይዱ እቶም ተሳተፍቲ ካድረታት እቲ ውድብ ወሲኖም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ "ውሳነ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ስኽነትን ምስትውዓል ዝጎደሎን እዩ" ኢሎም። ሕዚ እውን ምምሕዳሮም ከከም ኣድላይነቱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ድማ ሓቢሮም።