“ወርሒ ጥዕይቲ ኣደ” -- ንዳግመ-ሕውየት ኣደታት

Your browser doesn’t support HTML5

“ወርሒ ጥዕይቲ ኣደ” -- ንዳግመ-ሕውየት ኣደታት

ንመጠን ሞተ ኣደን ዕሸልን ንምጕዳል፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝዓለመ “ወርሒ ጥዕይቲ ኣደ” ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ወፍሪ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ምስ ኲናትን ካልእ ዘይምርግጋእን ተደማሚሩ፡ ኣብቲ ክልል 60% ኣደታት ብሕፅረት መግቢ ከም ዝጥቅዓ ኣብ ዝግለፀሉ እዋን’ዩ።