ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ተቐቲሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ተቐቲሉ

ኣብ ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ደቡባዊ ዞባ እቲ ክልል ዝነበሩ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ፡ ትማሊ ሰሉስ 1 መስከረም 2016 ዓ.ም ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐትለ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ቀታሊ፡ መንነቱ ተላልዩ እኳ እንተሎ፡ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝዳሎ ኣብ ቀይዲ ኣይወዓለን። ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና’ውን ኣብ ወረዳ ፅምብላ ናይ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተፈፀመ ቅትለት ምህላው ተገሊጹ'ሎ።