ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን

ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ፈለማ እቲ ኲናት ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ደሃዮም ከም ዘይብሎም ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብመሰረት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ክፍትሑ ዝነበሮም ተስፋ’ውን ዛጊት ከም ከምዘይተማልአ ይገልጹ። “ሂዩማን ራይትስ ፈርስት” ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ክሳብ ሐዚ 154 ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 16 ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል።