ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ መንጎ ተስፋን ስክፍታን ንሓዳስ ዓመት ይፅንበሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ፡ እዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2016 ድምፂ ጥይት ዘዕረፈላ ብምንባራ ሓጎሶም ክገልፁ እንከለዉ፡ እቲ ዝተጀመረ ናይ ዳግም-ተሃድሶን ምምላስ ተመዛበልቲን ከምቲ ዝተመደቦ ዘይምኻዱ ግን ስክፍታኦም ኣካፊሎም። ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ኣብ መንጎ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ’ዩ።