ኣኼባ ፎረም ምሕደራ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

  • ገብረ ገብረመድህን

ethiopia map

ፎረም ምሕደራ ትግራይ ዝተብሃለ ሓደ ምትእኽኻብ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ ማዕልቲ ኣኼባ ከምዘካይድ ሓደ ካብ ኣዋሃድቲ ናይቲ መድረኽ ዶ/ር ዘፅኣት ንቪኦኤ ገሊፁ።

ኣብዝተፈላለዩ ዓውዲ ዝወፈሩ መናእሰይ ዘዳለውዎም ከምዝኾነን ገዛኢ ፓርቲ፤ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ፓርቲ፣ምሁራት፣ነጋዶን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዝሓዙ ጋያሹን ከምዝሳተፍሉ ዶ/ር ዘፅኣት ሓቢሩ።

እቲ ፎረም ቀፃሊ ኣንፈት ዕቤት ትግራይ- ፀጋታትን ፈተናታትን፣ልዕልነት ሕጊን ድሕንነትን ተጋሩን ምርግጋፅ ሰብአዊ መሰላትን ምድንፋዕ ተሳትፎ ተጋሩን ዝብሉ ካልኦት ከምዝዝተየሎም ዶ/ር ዘፅኣት ገሊፁ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፎረም ምሕደራ ትግራይ