ብኲናት ዝዓነው ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ዳግም ንምጥያስ ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሓሉ ሚ/ጥዕና ሓቢሩ
Your browser doesn’t support HTML5
ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ኲናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስኻ ንምጥያሽ ጠመተ ተዋሂቡ ክስራሕ እዩ ክብላ ገሊፀን።
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብወገኖም ኣብቲ ክልል ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ጠሚቱን ብዛዕባ ዳግመ ህንፀቶምን ምስ ኣመራርሓ እቲ ሚንስትሪ ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።