ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ዓዲግራት፡ ዓድዋ፡ ሽረ፡ ኣኽሱምን ካልእ ቦታታትን ሎሚ ሰሉስ 23 ግንቦት 2023 ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱ፡ ኣቋሪጹ ዘሎ ሓገዛት ግብረ-ሰናይ ክቕጽልን ኣብ ስፍራኦም ዝርከቡ ናይ ደገ ሓይልታት ክወጽኡን ዝሓትት’ዩ።