መቐለ —
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 75-ሽሕ ዕጡቓት ነበር ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን ናብ ማእከላት ተሃድሶ ናይ ምእታው ከይዲ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ተጀሚሩ።
ነዞም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ሕብረተሰብ ዝፋነውን ዝጣየሱን ዕጡቓት ነበር፣ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ኣብ ማእከላት ተሃድሶ ኣሰልጢንካ ንምፍናውን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝወስድ ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩርያ ገሊፆም።
ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሌትናንት ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ብብወገኖም፡ ምምሕዳሮም ይዅን ህዝቢ እቲ ክልል ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ብምልኣት ክትግበር ድልዋት ምዃኖም ብምግላጽ፡ እንተዀነ ንምሉእ ተግባራውነት እቲ ስምምዕ ተመዛበልቲ ናብ መረባታቶም፡ ምምሕዳር ድማ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ኩነታት ምስ ዝምለስ’ዩ ኢሎም።