ቀንዲ ፀገም ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት’ዩ ዘሎ ኢለን ወ/ሮ ኣረጋሽ (2ይ ክፋል)

መቐለ

‘ኣተሓሳስባን ቃልሲ ጸረ ኪራይ ኣካቢነትን ኣገዳሲ ስፍራ ዝሓዘ’ ምኻኑ ዝጠቅሳ ወ/ሮ ኣረጋሽ፣ ናብ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ዝቀረበ ኣጀንዳ ኣቀዲሙ ፅፉፍ መፅናዕቲ ዝተገብረሉን ናብ ትግባረ ዝተኣተወን’ዩ ኢለን።

‘ተሳተፍቲ’ቲ ኮንፈረንስ ዘሕለፍዎ ውሳነ ካብ’ቲ መንግስቲ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ዝሓየለን ናይ ውሽጥና ፀገም ብውሽጣዊ ቃልሲ እናፈታሕና ናይ ደገ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውሽጥና ኪራይ ኣከብቲን ፅግዕተኛታትን ዝገብርዎ ዘለው ውዱብ እኽልን ጉርድን ፈሊና ክንቃለስ ኢና ዝብል ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ’ዩ’ ኢለን ወ/ሮ ኣረጋሽ።

ተቃወምቲ ብዝምልከት ግና ‘ናብ’ቲ መድረኽ ወይ በቲ መድረኽ ኣቢልካ ንምስታፍ ጊዚኡን ስፍርኡን ኣይኮነን’ ዝብል ርእይቶ ሂበን ኣለዋ።

ተቃወምቲ ብዛዕባ’ቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንዝህብዎ ርእይቶ ኣብ ቀጻሊ መደባትና ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

Your browser doesn’t support HTML5

ካልኣይ ክፋል ቃለ መጠይቅ ምስ ወ/ሮ ኣረጋሽ በየነ