ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ምኽፋል ጀሚሮም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ምኽፋል ጀሚሮም

ካብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ባጀት ክልል ትግራይ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምልቃቑ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ደሞዝ ምኽፋል ከም ዝጀመሩ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃብቲን እቲ ክልል ገሊጸን። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ብምኽንያት ኲናት ካብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ርሒቖም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ንኽምለሱ ጻውዒት ተገይሩሎም ኣሎ።