ዕጽዋ ዝፈጠሮ ሞያ፤ ጽባቐ ንትርኢት

Your browser doesn’t support HTML5

በረኸት ኪዳነ፡ ኣቐዲሙ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይን ሃንደበት ዝረኸቦ ትርፊ ግዜን ግን ሓድሽ ሞያ ንኸጥሪ ድፍኢት ኰይኑዎ። በረኸት ብስሚንቶ ዝተሰርሐ በበይኑ መጸባብቒታትን መቐመጢ ዕንባባን ኣብ ምፍራይ ይርከብ። ንበረኸት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ባዛር ረኺብና ኣዘራሪብናዮ ኣለና።