ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ኦጲስ ቆጶሳት ሸይማ: ሃገረ ስብከት ክልል ትግራይ ድማ 10 ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ሸይማ።
ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ነቶም ኣብ ትሸዓተ ሃገረ-ስብከት ዝምደቡ ትሽዓተ ጳጳሳት ኣብ ዝሸሙሉ እዋን፡ “ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዘመድ ኣዝማድ፡ ብሄርን ወገንን፡ ቤተሰብን ሃብትን ገዲፎም ኣገልግሎቶም ብዘይ ኣድልዎ ክፍጽሙ" ተላብዮም።
እቶም ፓትሪያርክ ኣተሓሒዞም፡ ኣብ ታሪኽ `ታ ቤተ ክርስትያን ዘይፍለጥን ዘይተለምደን፡ ንባዕልኻ ባዕልኻ ናይ ምሻም ተግባራት ክግታእ ከም ዘለዎ፡ እኳ ድኣስ ዝኾነ ጸገም ብዘተን ምምኽኻርን ጥራይ ክፍትሕ ከም ዘለዎ፡ ዝተበደለ ድማ ብግቡእ ተኻሒሱ ክእረም ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሀገረስብከት ብወገኖም ትማሊ ሰንበት ናይ ባዕሎም 10 ኤጲስቆጶሳት ዝመረጹ ኮይኖም: ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ግን እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ተቓዊምዎ`ዩ።
ብኻልእ ዜና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ካብ ኣውስትራልያ ናብ መቐለ እናተጓዓዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስኣበባ ተዓጊቶም ድሕሪ ምፅናሕ ብሓይሊ ካብ ሃገር ክስጎጉ ተገይሩ ብምባል እዚ ሕገ-መንግስቲ ዝጠሓሰን ዓሌታዊ ተግባር እዩ ብምባል ከምዝቃወሞ ኣፍሊጡ`ሎ።
ነዚ ብዝምልከት ካብ ወገን መንግስቲ ዝተሰምዐ ርእይቶ የለን።
ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ከገልግሉ ካብ ዝተሓረዩ ሓደ እዮም።