ዋሽንግተን —
ንታሪኻዊት ከተማ ማራቶን ሓዊሱ፡ ኣብ ከባቢ ኣቴንስ ግሪኽ ዝቕመጡ ዜጋታት ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ባርዕ ዱር ንምድሓን ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ። ሰብ-መዚ እንኮላይ ንሰራሕተኛታት ሆስፒታላት ሓዊሶም’ዮም ክወጹ ኣጠንቂቖም ኣለው።
ከንቲባ እታ ድሒራ መጸውዒ ስፖርታዊ ውድድር ዝዀነት ማራቶን፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀስ መዓት ይወርደና ኣሎ፡” ክትብል ነቲ ኩነታት ምግላጻ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።
ንኣስታት 30 ኪሎሜተር ወይ ድማ 20 ማይላት ዝዝርጋሕ ባርዕ፡ ክሳብ 25 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ቃጻሎ፡ ናብ ከተማ ኣቴንስ ገጹ ይግስግስ ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣመልኪተን።
ነቲ ዝርአ ዘሎ ባርዕ ንምቍጽጻር 670 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ 183 መካይንን 32 ነፈርቲን ተዋፊረን ምህላወን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ኣስታት 7-ሽሕ ዝበጽሑ ተቐማጦ ከተማ ማራቶን ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ተሓቢሮም ኣለዉ።