ዋሽንግተን —
ን650 ኣባላት ሓገግቲ ኣካል እታ ሃገር ንምምራጽ፡ እንግሊዛውያን ሎሚ ሓሙስ ምርጫ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ሩሺ ሱናክ ዝሓለፈ ግንቦት እቲ ምርጫ ቅድሚ’ቲ ተወጢኑዎ ዝነበረ ጥሪ 2025 ክካየድ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ንዓባይ ብሪጣንያ ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ዝመርሐ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዓብላልነት ክስእን ምዃኑ ዳህሳሳት ህዝቢ የመልክቱ።
ኣብዚ ምርጫ ዓብላልነት ሒዙ ዘሎ እቲ ብኬር ስታርመር ዝምራሕ ሰልፊ ዕዮ’ዩ። ሎሚ ሰዓት 7፡00 ንግሆ ኣቆጻጽራ ሎንዶን ዝጀመረ ምሃብ ድምጺ ክሳብ 10፡00 ምሸት ክቕጽል’ዩ። እንተኾነ ድሮ ኣሽሓት ድምጾም ብደብዳበ ልኢኾም’ዮም።
ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ንዓርቢ ንግሆ’ዩ ክንገር።
እዞም ሎሚ ዝምረጹ ኣባላት ሓገግቲ ኣካል ንሓሙሽተ ዓመታት ከገልግሎ’ዮም።