ደሴ —
ንሽዱሽት ኣዋርሕ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ተታሒዙ ኣብ ዝኣተዎ ዘይፍለጥ ዝነበረ ኣባል ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ሃብታሙ በላይነህ ናብ ገዝኡ ከም ዝተመልሰ ስድራቤቱ ገሊጾም። እንተኾነ ብመን ተታሒዙ ከም ዝጸንሐ ስድራቤቱ ኮኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።
ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተሰዊሩ ዝጸንሐ ኣቶ ሃብታሙ በላይነህ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣኼባ ኢሉ ምስ ወጸ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተታሒዙን ተሰዊሩን ምጽንሑ`ዩ ይግለጽ ኣሎ።
ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ብምውካል ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ኣበባው ደሳለኝ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ እናበኣሰ ዝመጸ መጭወይትን ንሰባት ኣገዲድካ ምስዋርን ከም ዘሻቕሎ ተዛሪቡ`ሎ።
ካብ መስወርቲ ወጽዩ ናብ ገዝኡ ዝተመልሰ ኣባል ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ከምኡ`ውን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ሃብታሙ በላይነህ ብዛዕባ ኩነታት ምትሓዙ ካብ ኣንደበቱ ንምስማዕ ዝተገብረ ፈተነ ክዕወት ኣይክኣለን። ካብ ፈደራል ፖሊስ ኮነ ካብ ክልል ኣምሓራ ርእይቶ ንምስማዕ ዝተገብረ ፈተነ `ውን ከምኡ ክዕወት ኣይከኣለን።