መቐለ —
ኣብ መንጎ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝተፈጥረ ምትፍናን፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዘይ ከንቲባ ኣብ እትጓዓዝ ዘላ መቐለ፡ ነበርቲ እቲ ዘይምቅዳው ዘምጽኦ ምብዃር ልሙድ ህይወት ይገልጹ። ንሱ እናዀነ ግን እታ ከተማ ካብቲ ንቡር ካልእ መዓልታዊ ንግዳዊን ማሕበራዊ ንጥፈታታ ኣይበዀረትን። እንተዀነ እቲ ሰንፈላል ሃዋሁ ፈጢሩዎ ዘሎ ብኩራትን ሃጓፍን ግን ዝከሓድ ኣይኰነን ይብሉ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ።