ድሕሪ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ቃለ-ማሕላ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ገደብ ስልጣኑ ዘብቅዕ ምምሕዳር ባይደን፡ ነቲ ዝጸደቐ ባጀት ናብቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ቅድሚ ምስጋሩ ኣብ መዓላ ከውዕሎ ይጓየ ኣሎ ክብል ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።
ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሕልፊ ኣብ ክሊማን ጽላት ጥዕናን ኣብ መዓላ ዘይወዓለ ባጀት ኣታዊ ክኸውን ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ነዚ ብተዘዋዋሪ መልሲ ዝሃበ ሚኒስተር መራኸቢታት ፒት ቡተጀጅ፡ “ባይቶ ዘጽደቐልና ባጅት ኵሉ ክንጥቀመሉ ኢና፡” ኢሉ።
በቱጀጅ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ“ኣብ ሓደ እዋን ሓደ መንግስቲን ምምሕዳርን’ዩ ዘሎ። ሕጂ ንሕና ኣሎና፡ ድሕሪ ጥሪ ድማ ካልእ ምምሕዳር ክመጽእ’ዩ። እንተዀነ ነቲ ዝጸደቐ ባጀት ኣብ ግቡእ መዓላ ከነውዕል ሓላፍነትና’ዩ፡” ኢሉ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጥሪ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ነቶም ብምምሕዳር ባይደን ኣቐዲሞም ጸዲቖም ክስርሓሎም ዝጸንሑ መደባት’ውን ክስርዞም ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ከኣ’ዩ እዚ ዘሎ ምምሕዳር ካብቲ መለልዪኡ ንዝዀነ መደባት ንምፍጻም ኣብ ምጕያይ ዝርከብ። ንኣብነት ምምሕዳር ባይደን ዘበገሶ ናይ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ናይ ትሕተ-ቅርጺን 375 ቢልዮን ዶላር ንክሊማ ዝውዕል ባጀትን ናብ መፈጸምታኡ ብምብጻሕ መዲቡ ኣሎ።
ብፒት ቡጀጅ ዝምራሕ ሚኒስተር መራኸቢታት ኣብ ምሕዳስ ትሕተ-ቅርጺ፡ ወደባትን ጽርግያታትን ውዕል ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ባጀት ሎሚ ዓርቢ ኣጽዲቑ ኣሎ።
ምምሕዳር ባይደን ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዝፈልዮ ኣጀንታት ኣብ ጉዳይ ተሓዳሲ ጸዓትን’ዩ።
ሓደ ካብ ተበግሶታት ምምሕዳር ባይደን ንዝኣረገ መስመራት ማይ ንምትካእ ኰይኑ፡ ነዚ ፕሮጀክት ክሳብ 3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ባጀት ሰሊዑ ነይሩ። ከም ኣካል ናይዚ ሰፊሕ መደብ እምበኣር ኣብ ቀረባ ግዜ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጸዓት ኣቢሉ ናይ 544 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ብምፍቃድ ነዚ ስራሕ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዝፍጽማ ትካላት ውዕል ኣትዩ።
ምምሕዳር ባይደን ቅድሚ መዝነት ምርካቡ ክግበሮ ዝጓየ ዘሎ ካልእ ተበግሶ ንዩክሬን ዝውዕል ሓገዝ’ዩ። ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ፔንታጎን ሳብሪና ሲንግ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ዝጸቐሉ ባጀት ኣብ መዓላ ከውዕሎ መሰል ስለ ዘለዎ ነዚ ስራሕ ኣብ ምፍጻም ፔንታጎን ይጓየ ከም ዘሎ ሓቢራ።
ሓደ ካብኡ ንዩክሬን ዝተሰለዕ ናይ 7.1 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ’ዩ። ካብዚ እቲ 2.8 ቢልዮን ዶላር ገና ኣብ ሒሳብ ፔንታጎን’ዩ ዘሎ። ካልእ’ውን 2.2 ቢልዮን ዶላር ንመግዝኢ ኣጽዋር ዝጸደቐ ባጀት ምስ ፔንታጎን ኣሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ዝጸደቐ ባጀት ናብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ክጥቀሙሉ ምዃኖም ሓቢሩ።
ዕዳ ተመሃሮ ምዝራዝ’ውን ካብቲ ካልእ ምምሕዳር ባይደን ዝጓየየሉ ዘሎ መዳያት’ዩ። ገለ ካብቲ እዚ ምምሕዳር ዘበገሶ ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገማት ንዘለዎም ተመሃሮ ዕዳ ትምህርቶም ክስረዘሎም ብፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ተኸልኪሉ’ዩ። እንተዀነ ካልእ ወገን ናይዚ ተግብሶ ክሳብ 2 ታሕሳስ ግዜ ስለ ዘለዎ፡ ምምሕዳር ባይደን ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምርድዳእ ነዚ ተበግሶ ኣብ መፈጸምንታ ንምብጻሕ ይጓየ ኣሎ።
ብዛዕባ ምሕረት ዕዳ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ዛጊት ዶናልድ ትራምፕ ዝበሎ የሎን። እንተዀነ ካልኦት ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ነቲ ተበግሶ ነቒፎሞ ነይሮም’ዮም።