ቃለ መጠይቅ ምስ ጉጅለ ባህሊ ዘ ኢላይትስ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሸውዓተ መንእሰያት ኣሕዋት ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተመስረተት ጉጅለ ባህሊ “ዘ ኢላይትስ” ኣብዚ ሕጂ እዋን ንገዲም ባህላዊ ሙዚቃታት ኤርትራ ብዘመናዊ ቅዲ ዳግማይ ብምድላው ንሰማዕቲ የቕርቡ ኣለው። አባላት እዛ ጉጅለ ባህሊ ቀንዲ ዕላማ እዛ ጉጅለ ነቲ ባህሊ ኤርትራ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ክረኽብ ንምግባር ምኳኑ ይገልጹ።ኣባላት እዛ ጉጅለ ባሕሊ ዝኾነ እዞም ሸውዓተ ኣሕዋት ንሙዚቃዊ ስርሓት ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ድምጺን ምስሊን ስርሓት እታ ጉጅለ ባህሊ ባዕላቶም ከምዘዳለውዎ አቦኦም አቶ ሚኪኤል ሓጎስ የረድኡ።