ሰራዊት ምክልኻል ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ዕለት ብዝተፈፀመ ዓይደር ሆስፒታል 22 ዝተቐትሉ ስቪላት ከምዝተቐበለ ተገሊፁ

  • ገብረ ገብረመድህን

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ንዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀሩል 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብታ ከተማ ብዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት 22 ዝሞቱን ካልኦት 40 ድማ ዝቖሰሉን ስቪላት ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ጥራሕ ከምዝመፁ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ክኢላ መጥባሕቲን ዲን ቤት ትምህርቲ ሕክምናን ዓይደር ዝነበረ ዶክተር ፋሲካ ዓንደስላሴ ይገልፅ።ዶክተር ፋሲካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጊዚያዊ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ ኣብ መዳይ ጥዕና ዘሎ ‘’ከቢድ’’ ዝበሎ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኤሌክትሪክ ጠፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሆስፒታ ዓይደር ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከምዝነበረ ይገልፅ። ‘’ሕሙማት ብሰንኪ ስኣን መድሓኒን ኦክሲጂን ዝሞቱ ነይሮም’’ይብል።መድሓኒት ጥራሕ ከይኮነስዝብላዕ ስለ ዝተወድአ ሕሙማትጠሚዮም ከምዝነበሩን ኣብቲ ከባቢ ሆስፒታል ዝነብሩ ውልቀሰባት ብስኩትን ካልእ ምግብን ንሕሙማት ይሕግዙ ከምዝነበሩን ሓቢሩ።

ኣብቶም ዝሓለፈ ማዕልታት ብኣካል ናብ ውቕሮን ዓዲግራትን ከምዝኸደ ዝገለፀ ዶክተር ፋሲካ ኣብ ሆስፒተላታን ማእኸላት ጥዕናን እተን ከተማታት ማእለያ ዘይብሉ ወራር ንብረትን ጥፍኣትን ምውራዱ ሓቢሩ።

ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሰራዊት ምክልኻል ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ዕለት ብዝተፈፀመ ዓይደር ሆስፒታል 22 ዝተቐትሉ ስቪላት ከምዝተቐበለ ተገሊፁ