ዋሽንግተን —
ንጉስ ታይላንድ ማሃ ዋጂራላንካን፡ ንድሕሪ 15 ዓመታት ስደት ናብ ሃገሩ ንዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ንጊዜ ማእሰርቱ ካብ ሸሞንተ ዓመት ናብ ሓደ ዓመት ኣጕዲሉ። ንታይላንድ ካብ 2001 ክሳብ 2006 ዝመርሐ ታክሲን ሺነዋታይ፡ ካብ መዝነቱ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምእላዩ፡ ካብቲ ከጋጥሞ ዝኽእል ዝነበረ ማእሰርቲ ንምህዳም ካብታ ሃገር ኣብ 2008 ወጺኡ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስደት ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሺነዋታይ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳሩ ኣዝዩ ህቡብ ብምንባሩ ሕጂ ነታ ኣብ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ ዘላ ሃገር ኣብ ምህዳእ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበሮ። ነዚ ዕላማ’ዩ ከኣ ንጉስ እታ ሃገር ንዕድመ ማእሰርቱ ናብ ሓደ ዓመት ኣውሪዱ፡ ኣበርክቶኡ ክግበር ዝጽውዕ ዘሎ ይብል ጸብጻብ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ።