ተጋሩ ኣብ ዋሽንግተን ዳሲ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምውላዕ ውግእ ብሰልፊ ይዝክሩ

ሰልፊ ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2014 ወይ ድማ 4 ሕዳራ 2021 ምጅማር ኲናት ኣብ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ነበርቲ ቪርጆንያን መሪላንድን ከምኡ’ውን ዲሲ ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቖጸሩ ነበርቲን ነቲ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት መገድታት ዓጽዩ ህዝቢ ብጥምየት ክምወት ተፈሪዱሉ ይርከብ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ክገብሩ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ መደብ መስፍን ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) በጺሖም። ድሒሮም’ውን ንግዳያት እቲ ኲናት ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ኣብ ሓወልቲ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፎም ንምርኣይ ባንዴራታት ሱዳን፡ ኤርትራን ክልል ኦሮምያን ዝሓዙ ምንባሮም’ውን ንምጽብጻብ ዝተሳተፈት ወኪልና ሳራ ፍስሃየ ሓቢራ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሰልፊ ተጋሩ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ