ተጋሩ ቆልዑን ወለዶምን ምስ ፈተውቶም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰልፊ ኣካይዶም

ሰልፊ ቆልዑ ትግራይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባብኣን ዝነብሩ ቈልዑን ወለዶምን ከምኡውን ካልኦት ፈተውቶም ቈልዑን ወለዶምን ቀዳም ኣብ ቅድሚት እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ ዝርከብ ሓወልቲ ኣብራሃም ሊንከንን ሓወልቲ ዲሲን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዕላማ እቲ ሰልፊ 'ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝብልዎ ጃምላዊ ህልቂት ብፍላይ ከኣ ግፍዒን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ኣዴታትን ከምኡውን ጉዳይ እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት አዕቁቦም ዝነበሩን ደሃዮም ዝጠፍአ ካብ 15 ስካብ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቅላዕ' ከምዝኾነ ገሊጾም።

እቶም ቆልዑን ወለዶምን ኸምዝገለጽዎ 'ንዝሓለፈ 5 አዋርሕ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ፣ ንልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝብ ተጽባዪ ህጹጽ ሓገዝ ገይሩዎ፣ ን 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘመዛበለን፣ 62 ሺህ ህዝቢ ናብ ሱዳን ንክስደዱ ከምዘገደደ’ ጠቂሶም።

መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ካልኦት መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብሕልፊ አብ ልዕሊምምሕዳራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ አሕመድን መራሒ ኤርትር ፕሪዝደንት ኢሳይያስ አፈወርቂን ስጕምቲ ንክውሰድ፣ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብወገኑ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ንክኸሶም ድምጾም ኣቃሊሖም።

ኣብ ዘረባና፣ ብዛዕባ አብ’ቲ ሰልፊ ዝተላዓሉ ጉዳያት፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ኤርትን ግብረ መልሲ ንምርካብ ሓቲትናዮም ክንድውለልኩም ኢና ኢሎምና። ግን ኣይሰለጠን። እንተሂቦምና ክነቅርበልኩም ኢና።