ሮሚዮ ኤድሚድ ወዲ ክልተ ዓመት ኸሎ’ዩ ናይ ዓይኑ ብርሃኑ ዝስኣነ፡ምሉእ ናብራ ካብ ምምራሕ ዝዓገቶ ነገር ግን የለን።ናብ ኮለጅ ኣቲዩ ብጋዜጠኝነት ሰልጢኑ ብዛዕባ ከተማ ኒው ዮርክ ብድምጽን ቪዲዮን ፖድካስት ይፍኑ።ንካልኦት ስምዒት ኣካላቱ ተጠቒሙ ንህይወት የስተማቕራ።
ንሱ ብተወሳኺ ከምዚ ይብል።
‘ንስፖርት ዝለዓለ ፍቕሪ ኣለኒ።ኩዕሶ እግሪ(ናይ ኣሜሪካዊያን)ኣዚየ እየ ዝፈቱ።ንስፖርት ብድምጺ እየ ዘስተማቕሮ።”
ኣብ ኒው ዮርክ ንዝርከቡ ብሉጽ ውጽኢታት ስነ ጥበባት ከስተማቕሮ ግን ኣይኽእልን።ኣብ ሓደ እዋን ምስ ኣዲኡ ብምዃን ንሓደ ቤተ-መዘክር ንምዕዛብ ኣብዝኸደሉ እዋን ዘጋጠሞ ከምዚ ክብል ይዝክሮ።
‘ዘወርወር ኢለ ንሓደ ነገር ክትንክፍ ጀመርኩ።ብሃንደበት ደወል ጻውዒት ሓደጋ ተወሊዑ ሓላዊ’ቲ ቤተ መዘክር መጺኡ ይሕዘኒ ኣደይ ነቲ ኩነታት ከተረድእ ብዙሕ ከምተጸገመት ይዝከረኒ።’
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሳላ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ቤተ-መዘክራት ዘለው ስእልታት ኣብ ጎኖም ወይ ኣብ ጥቕኦም 3D ምስሊ ዝተዳለወ ተሰቒሎም ክርኣዩ ክኽእሉ’ዮም። ምርኣይ ንዝሰአኑ ድማ በዚ ቴክኖሎጂ ስነ-ጥበብ ክዕዘቡ ከስተማቕሩን ክኽእሉ’ዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ምርኣይ ዝሰአኑ ንስነ-ጥበብ ከዕዘቡ ዝሕግዝ መሳርሒ ተማሂዙ