ኣምቦ —
ሰማዒ ይግባይ ናይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ንኽወጽእ ኣዚዙ ከብቅዕ፡ ካብ ኣፍደገ ምውጻእ ደጊሙ ብሓይሊ ፖሊስ ተወሲዱ ዝጸንሐ ሚኒስተር ሰላም ዝነበረ ታየ ደንድኣ ሎሚ ሓሙስ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ኣዲስ ኣበባ ካብ ማእሰርቲ ፈደራል ምፍትሑ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሲንታየሁ ኣለማየሁ ንድምጺ ኣመሪካ ነጊራ።
ንሳ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ምስ ስድራቤት ቅድሚ ምርኻቡ ደጊሙ ዝተወስደ ታየ፡ ኣብ ከባቢ መክሲኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት-ማእሰርቲ ፖሊስ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ሎሚ ተፈቲሑ።
ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ንግሆ ከም ዝበጽሓቶ ዝሓበረት በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ስንታየሁ፡ ብዋሕስ ክወጽእ ተፈቒዱዎ ከብቅዕ ስለምንታይ ደጊሙ ክእሰር ከም ዝተወሰነን ዝሓበራ ኣካል ከም ዘየሎ ነጊራ።
ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ፡ ብኽሲ ምልዓል ሽበራ፡ ምውናን ዘይሕጋዊ ብረትን ተኣሲሩ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ታየ፡ ብዋሕስ ወጺኡ ጉዳዩ ክከታተል ደጋጊሙ ክሓትት ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብ መወዳእታ ተፈጻሚ ኰይኑ። ምስ ምውናን ብረት ተታሒዙ ንዝቐረበሉ ክሲ ንምክትታል ድማ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ልደታ ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።