ፖሊስ ታንዛንያ መራሒ ተቃወምቲ ቻዴማ ፓርቲ ፍሪማን ምበወ ከምኡ `ውን ምኽትሉ ቱንዱ ሊሱ ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። በቲ ኣብ ድሮ ተመዲቡ ዝነበረ ሰልፊ ዝተገብረ ስጉምቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት`ውን ፖሊስ ከም ዝኸበቦም ይግለጽ ኣሎ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ስጉምቲ ዘሻቕል ስጉምቲ ብምባል ይኹንንዎ ኣለዉ፡፡
እቲ መራሒ ተቃወምቲ ቻዲማ ፓርቲ ካልኦት መራሕቲ ድሕሪ ምእሳሮም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ሎሚ ሰኑይ`ዩ ተኣሲሩ። ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት ንምጽንባል ዝተመደበ ሰልፊ ቅድሚ ምክያዱ `ዩ እዚ ማእሰርቲ ዝስማዕ ዘሎ።
ዲይሬክተር ኮሚኒኬሽን ቻዴማ ፓርቲ ዝኾነ ጆን መረማ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ፡ ኣስታት 500 ዝኾኑ መንእሰያት ናብቲ ሰልፊ ኣብ ዘቕንዕሉ እዋን ብፖሊስ ከም ዝተኸበቡን ናብ ዝነበርዎ ከም ዝምለሱ ጠቒሱ። ፖሊስ ታንዛንያ ኣቐዲሙ እቲ ፓርቲ ጎነጻዊ ሰልፊ መዲቡ`ሎ ብዝብል ኣብ ልዕሊ`ቲ ሰልፊ እገዳ ጌሩ`ዩ።
እዚ ማእሰርቲ ተቓወምቲ ዝስማዕ ዘሎ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ኣብ ልዕሊ መሰል ምእካብ ተቓወምቲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምልዓላ`ዩ።
ታንዛንያ ዝመጽእ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክተካይድ መደብ ኣለዋ፡ ድሕሪ ናይ 2021ሞት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ንመጀምርያ ግዜ`ዩ። ተመራማሪ ሁማን ራይትስ ዋች ኦሪየም ንየኮ ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ማእሰርቲ ተቓወምቲ ክትገልጽ ከላ፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ማጉፉሊ ዝነበረ ኩነታት`ዩ ዝድገም ዘሎ ትብል። ንሳ ብምስዓብ “ ታንዛንያ ናብቲ ከምኡ ዓይነት ኣንፈት ክትከይድ የብላን፡ ብፍላይ ናብ ምርጫ ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን “ ትብል።