ዋሽንግተን —
መራሕቲ ቀንዲ ተቃዋማይ ፓርቲ ታንዛንያ፣ ፓርቲ ቻዴማ፣ ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ።
እቲ ዓሰርተታት ኣሻሓት ተሳተፍቲ ክርከብሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰልፊ ቅድሚ ምጅማሩ፣ አስታት 250 ኣባላት ፓርቲ ቻዴማ ብፖሊስ ተኣሲሮም ነይሮም።
ተሓለቅቲ መሰላት፣ ፖሊስ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ነታ ሃገር ናብ እዋን ፕረዚደንት ጆን ማጓፉሊ ናብ ዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ንድሕሪት ክመለሳ እዩ ዝብል ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ።
ብዘይ'ካዚ፣ ማእሰርቲ መራሕቲ ተቃዋማ ፓርቲ ዝተፈጸመ፣ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ‘ኣብ’ታ ሃገር፣ ኣብ ውድድር ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትከል’ዩ’ ክብላ ቃል ድሕሪ ምእታወን እዩ።