ታይዋን፤ ቻይና ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ ምጥሓስ ምክልኻል ኣየር ምፍጻማ ገሊጻ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

71- ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ቻይና ነፈርቲ ውግእን ድሮናትን ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንግዝኣት ምክልኻል ኣየር ታይዋን ብምጥሓስ ምእታወን መንግስቲ ታይዋን ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ። እዚ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝተነግረ እቲ ዝዓበየ ጥሕሰት ምኻኑ’ዉን ተገሊፁ።

ቻይና ኣብ ጥቓ’ታ ናተይ’ያ ትብላ ደሴት ወታሃደራዊ ምንቅስቃሰ ብቀፃሊ ኣብ ትገብረሉ ዘላ 43 ነፈርታ ነቲ ኣብ መንጎኤን ዘሎ ዘይወግዓዊ ነፃ ክልል ብምጥሓስ ከምዝኣተዋ ሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ገሊፁ’ሎ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን ከም ዘፍለጦ እቶም ፕረዚደንት ንስርዓተ ምክልኻል’ታ ደሴት ንምሕያል ኣብ ዝከኣለሉ መንገዲ ንምምይያጥ ኣኼባ ዝለዓለ ብርኪ ሃገራዊ ፀጥታ ፅባሕ ሰሉስ ክግበር ፀዊዖም’ለዉ.።

ኹናት ዩክረይንን ምስ ቻይና ዘሎ ውጥረትን ኣብ ዝወሰኸሉ ሚኒስተር መከላኸሊ ታይዋን ብዙሕ ዝርዝር ከይሃበ ከም ዝገለፆ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 4-ኣዋርሕ ንላዕሊ ከናውሖ ይሓስበሉ ከም ዘሎ ገሊፁ’ሎ።

ቻይና ታይዋን ናተይ ኣካል’ያ ክትብል ከላ ታይዋን ብወገና ነዚ ናይ ቻይና ናይ ግዝኣት ይግበኣኒ ኣትሪራ ትነፅጎ።

ቻይና ኣብ ቀረባ ዓመታት ታይዋን ነዚ ናይ ቻይና ናይ ግዝኣት ይግበኣኒ ንኽትቅበል ንምግዳድ ዲፕሎማቲክ ወታሃደራውን ኢኮኖሚያውን ፅቅጢ ኣሐይላ’ላ። ታይዋን ብወገና ሰላም ከምትደሊ ብምግላፅ ግን ርእሳ ካብ መጥቃዕቲ ከምትከላኸል ገሊፃ’ላ።