ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ታይዋን ላ ቺንግ-ቶ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ 20 ግንቦት 2024 ዘስምዖ መደረ ስነ ስርዓት ቃለ-መሓላ ቻይና ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምምሕዳር ደሴት ታይዋን ወታሃደራዊን ፖለቲካውን ስግኣት ደው ክተብሎ ሓቲቱ።
ንሶም ወሲኾም ምስ ቻይና ንምዝርራብ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ብምርግጋጽ እቲ እንኮ ምርጫ መገዲ ሰላም እዩ ኢሉ። ቤይጂንግ ንምርጫ ህዝቢ ታይዋን ከተኽብር እውን ኣትሪሩ ፀዊዑ።
"ቻይና ንህላወ ሪፓብሊክ ቻይና ክትዋፅአሉን ንምርጫታት ህዝቢ ታይዋን ድማ ክተኽብርን ተስፋ እገብር’’ ዝበለ ሓዱሽ ፕረዚደንት ብቕኑዕ እምነት ካብ ግጭት ንላዕሊ ዝርርብ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።
ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ማዕርነትን ክብርን ዝተመስረት ምስቲ ብምርጫ ህዝቢ ታይዋን ዝምራሕ ሕጋዊ መንግስቲ ምትሕብባር ክገብር ፀዊዑ።
ህዝቢ ታይዋን ብዛዕባ ካብ ቤይጂንግ ዝመፅእ ስግኣት ኣብ ክውንነት ዝተመስረተ ኣረኣእያ ክህልዎ ኣለዎ እውን ኢሉ።
ቤይጂንግ ንታይዋን ከም ናይ ባዕላ ግዝኣት ገይራ እያ ትሪኣ። ነታ ደሴት ንምቁፅፃር ሓይሊ ክጥቀም እየ ምባላ እውን ኣይሓደገትን።
ታይዋን ቀፃሊ ዝኾነ ድፍኢት ካብ ቻይና የጋጥማ። ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ላ ካብ ዝዕወት ጀሚሩ ናብታ ደሴት ዝተፀግዐ ስሩዕ ምንቅስቓስ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ቻይና ይርአ።