ትንታነ - ሶርያ ድሕሪ ኣሰድ ክሕሻ ዲዩ ወይስ ክደግሳ?

Your browser doesn’t support HTML5

ትንታነ - ሶርያ ድሕሪ ኣሰድ ክሕሻ ዲዩ ወይስ ክደግሳ?

ካብ ትማሊ ሰንበት ረፍዲ ጀሚራ ርእሰ-ከተማ ሶርያ ኣብ ዝዀነት ደማስቆስ ናይ ጽንብል ሓዘንን ትርኢት’ዩ ዝወጽእ ዘሎ። ንዓመታት ተደፊኑ ዝጸንሐ ጉድ ምምሕዳር ኣሳድ ድማ ንፋስ ክረክብ ዕድል ገይሩ ኣሎ። ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝቐጸለ ምልኪ ስድራቤት ኣሳድ ኣኽቲሙ ኣሎ።

ንሶርያ ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪ ዝገዝአ ኣቦኡ ሓፊዝ ኣልኣሰድ ኣብ 2000 ድሕሪ ምማቱ’ዩ ኣብቲ እዋን ወዲ 34 ዓመት ዝነበረ በሽር ኣልኣሳድ በትረ-ስልጣን ተረኪቡ፡ ንዝኸፍአ ሰንሰለታዊ ምልኪ በሪ ከፊቱ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝተራእየ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ምልዕዓላት ድማ ንምግልባጡ ብዝተራእየ ፈተነ፡ ሶርያ ኣብ 2011 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ንዝሓለፉ ኣስታት 13 ዓመታት ክትደሚ’ያ ጸኒሓ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ብውሑዱ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ቀቲሉ፡ ንኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ካብ መንበሪታቶም ኣመዛቢሉ’ዩ።

ምትሓዝ ደማስቆስ ብተቓለስቲ ሓይልታት ሓደ ምዕራፍ ናይቲ ን14 ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዘመልክት’ዩ። እንተዀነ እቲ ግጭት ካልእ መልክዕ ሒዙ ድዩ ክቕጽል ወይስ ዝሓሸ ምርግጋእ ክፈጥር ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ’ዩ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ድርኩኽቲ ምሉእ ምቍጽጻር በጺሖም ከብቅዑ ብሓገዝ ሩስያን ኢራንን ክምለሱ ዝተገደዱ ተቓለስቲ ሶርያ ፡ ሎሚ ግን እቲ ስርሒት ቀልጢፉ’ዩ ተዓዊቱ። 27 ሕዳር ዝጀመረ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 8 ታሕሳስ፡ ብምትሓዝ ደማስቆስን ምህዳም ባሽር ኣልኣድን ሓደ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ። ብሰንበት ናብ ሩስያ ከም ዝሃደመ ዝፈልጥ በሺር ኣልኣሳድ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዑቕባ ከም ዝሃቦ ሰኑይ ወግዓዊ ኰይኑ ኣሎ።

ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ምስ ቱርኪ ዝጸንሖ ጽቡቕ ልፍንቲ ጽቡቕ መእተዊ ናብ ደምበ ምዕራብ ክኸውን ከም ዝኽእል ሳሙኤል ይገልጽ። ደምበ ምዕራብ ዛጊት ካብኡ ዝሓይሽ ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ንኽልተኦም መተዓረቒ ነጥቢ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ከኣ ሳሙኤል ይኣምን።

ምዕናው ስርዓት ኣሳድ ሓደ ገጽ እኳ እንተዀነ፡ ቅድሚ ሎሚ ብምልካዊ ስርዓታትን ስድራቤታትን ክመሓደራ ዝጸንሓ ከም በዓል ሊብያን ዒራቕን ብምርኣይ ድማ እታ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ከይተምርሕ ሓያሎ ስክፍታኦም ይገልጹ።

ክሳብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ካብ 2011 ኣትሒዞም ኣስታት 14 ሚልዮን ሶርያውያን ካብ መንበሪታቶም ተመዛቢሎም። ካብዚኣቶም እቶም ፍርቂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ቱርኪየ፡ ሊባኖስ፡ ዮርዳኖስ፡ ዒራቕ፡ ኢራን ግብጺን ዝተሰደዱ’ዮም። ኣብ ኤውሮጳ ድማ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጸጋግዑ ጥራይ ኣብ ጀርመን ይርከቡ።

ስርዓት ኣልኣሳድ ኣፋፍኖት ምውዳቕ ኣብ ዘርኣየሉ፡ ሓያሎ ካብቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ሶርያውያን ንዓዶም ክምለሱ ይቀራረቡ ኣለዉ።

ካብ ምምሕዳር ኣመሪካን ንኣሳድ ዑቕባ ዝሃበትንን ሩስያ ጀሚርክያ፡ ክሳብ ሓያሎ ዞባውያን ሃገራት ከም ቱርኪን እስራኤልን ንምዕባለታት ሶርያ ብቐረባ ዝከታተላ ዘለዋ ሃገራትን ዞባውያን ሓይልታትን ብዙሓት’የን። ዕጫ እቶም ብምልካዊ ስርዓት ኣሳድ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሶርያውያን ክሓይሽ ዲዩ ክገደድ ከኣ ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ’ዩ።