ምቁር ድንሽ --- ሃብታም ትሕዝቶ፡ ዘይተለምደ መግቢ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ በበይነን ሃገራት፡ ሓሙሻይ ወይ ሻዱሻይ ዝበዝሐ ዝሃልኽ ዓይነት መግቢ ደኣ ይዅን እምበር፡ እዚ ብማእዛታት ሃብታም ዝዀነ ፍረ ግን ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝውቱር መግቢ ኣይኰነን። ብዛዕባ ምትእትታው ምቍር ድንሽ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሕብተረሰብ ዘለዎ ተቐባልነት ኣመልኪቶም እምበኣር ኣብዚ ወርሒ ኣቶ ተስፋይ ጸጋይን ዶክተር ክብሮም ታደሰን መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣሕቲሞም ኣለዉ። ኣብቲ ጽሑፍ ተመርኲሱ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።።