ኢትዮጵያ - መጥቃዕቲ ዝተፈነዎም ስደተኛታት፡ ንመዓስከር ኩምራ ይገድፉ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢትዮጵያ - መጥቃዕቲ ዝተፈነዎም ስደተኛታት፡ ንመዓስከር ኩምራ ይገድፉ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ዝተወሰኑ ሱዳናውያን ስደተኛታት ለቒቖም ከም ዝወፁ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊፆም። ሕቶ እቶም ሱዳናውያን ንዓዶም ክምለሱ ዝጠልብ ምዃኑ እቶም ርእይቶኦም ዘካፈሉ ይሕብሩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ካብ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን፡ ንስግኣት ፀጥታን ዋሕዲ ኣገልግሎትን ኣመኽኒዮዮም ልዕሊ 1,300 ሱዳናውያን ስደተኛታት ለቒቖም ምውፀኦም ገሊፁ።