ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ንባንኪ ሒሳብ መቀናቕንቶም ክእገድ ኣዚዞም

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ንባንኪ ሒሳብ መቀናቕንቶም ክእገድ ኣዚዞም። ክልቲኦም ሓይልታት ንሰሙናት የካይዱዎ ብዘለው ውግእ እታ ብዓንተብኡ እውን ኣብ ፀገም ዝነበረት ሃገር ናብ ምሉእ ኲናት ሕድሕድ ተመርሕ ኣላ።

ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና እቲ ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ቡርሓን ዝወፀ ኣዋጅ ንሒሳብ ባንክታት ሰበስልጣን ቕልጡፍ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍን በቲ ጉጅለ ናይ ዝውነኑ ኩሎም ኩባንያታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እቲ ምድስካል ባንኪ ሒሳብ ኣብቲ ጉጅለ ዘሕድሮ ፅልዋን ከመይ ከምዝፍፀምን ግን ንፁር ኣይኮነን።

ቡርሓን ምስ እገዳ ምንቅስቓስ ሒሳብ ባንኪ ዝተሓሓዝ ከምዝኸውን ዝእመን ንገዛኢ ማእኸላይ ባንኪ ሱዳን እውን ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሎምዎም ኣለው።

ብኻልእ ዜና ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ውግእ ሰብኣዊ ቅልውላው ይጋደድ ኣብ ዘለሉ ግዜ ሰበስልጣን ሱዳን ምስ ልኡኻት ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም ዘትዮም።

ሚንስተር ፋይናንስ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም ምስ ኣብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ቮልከር ፐርዝስ ብምርኻብ ሕጽረት ማይ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ተዘራሪቦም።

እቲ ርክብ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዩ ተኻይዱ።

በቲ ግጭት ኣስታት 200,000 ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝተሰደዱ ክኾኑ ከለው ልዕሊ 700,000 ድማ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።