ኣዲስ ኣበባ —
ፕረዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ተወላዶ ትግራይ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ከድሕን ፀዊዖም። ኣቶ ጌታቸው፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢኦም ኣብዘስፈሩዎ ፅሑፍ፣ ኵናት ሱዳን ናብቶም መዓስከራት እናተፀገዐ ስለዝኾነ፣ እቲ ኩነታት ንድሕንነቶም ዘስግእ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። እቶም ስደተኛታት እውን፣ ብሰንኪ ኵናት ሱዳን፣ ድሕንነትና ኣብ ሕማቕ ኣሎ፣ ዝምልከቶም ኣካላት ይብፅሑልና ይብሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ነቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይምምላስ ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን ንዘለው ተወላዶ ትግራይ ስደተኛታት ከድሕን ተሓቲቱ